ትግራይ ኃላፊነት የሚሰማው አመራር ያስፈልጋታል፡ የውይይት ተሳታፊዎች

ትግራይ ኃላፊነት የሚሰማው አመራር ያስፈልጋታል፡ የውይይት ተሳታፊዎች

ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸዉ ረዳ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ሰሜን ምዕራብን ምዕራብ ትግራይን ምስ ዝመፁ ኣካላት ዘተ የሳልጡ ኣለዉ ።

ድሕሪ ዉዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ እዉን እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ትግራይ ሕዚ እዉን ግፍዒ ጨፍጫፍን ጭዉያን ይበፅሕ ከም ዘሎ ዝሓበሩ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ክሳብ ሕዚ ኩለ መዳይ ፀገማት ህዝቢ ብዘላቅነት ብዘይምፍትሑ ኣብቲ ዉዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዘለና እምነት ካብ እዋን ናብ እዋን ይቅንስ ኣሎ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ልቢ ብምዕባይ ዉዕሊ ሰላም ክፍፀም እዩ ኢሉ ፀገማቱ ፀይሩ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ እንተኾነ ግን ሕዚ እዉን ፀገማት ይጋደድ ብምህላዉ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ቁርፅ ዝበለ ምላሽ ክህበሉ ሓቲቶም።

ብተወሳኺ እዉን ምቁራፅ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝን ድርቂ ዝወለዶ ጥምየትን በቢመዓልቱ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ይመዉት ኣሎ ነዚ ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ዝወሰዶ መፍቲሒ የለን፣ ንመናእሰይ ጠመተ ተገይሩ ዝፍጠር ዕድል ስራሕ ብዘይምህላዉ ደቕና ኣደዳ ስደትን ሞትን ይኾኑ ኣለዉ ፤ ስለዚ ድማ መንግስቲ ካብ ኣኼባ ወፂኡ ንትግራይ ዘገልግላን ሓላፍነት ዝዋፃእን መሪሕነት ትጠልብ ኣላ ኢሎም።

ዉዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ካብቶም ዝተስመዕማዕናሎም ሓደ ዓብይ ጉዳይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክመለሱ ምግባር እዩ ነይሩ ዝበሉ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸዉ ረዳን እዚ ዘይምፍፃሙ ድማ ኣብ ናይ ፀላኢ ዘሎ ክፍተት ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና ክንሰርሕ ዝግባእ እዉን ብዘይምስራሕና እዩ ኢሎም።

ሕዚ እዉን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸዉ ክሳብ ዝምለሱ ግና ዘለና ሃፍቲ ኣዋዲድና ወገናትና ንምድሓን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ብሓገዝ ጥራሕ ምንባር ኣይከኣልን ዝበሉ ፕረዚንደንት ጌታቸዉ ብቅልጡፍ ናብ ኣፍራይነት ብምእታዊ ዓርስና ንኽእለሉ ባይታ ንምምችቻዉ ክንስርሕ ኢና ኢሎም።

ብኢየሩሳሌም ገ/መድህን


Comments

Leave a comment

Design a site like this with WordPress.com
Get started